PRESS RELEASES


መግለጺ ኢኣኣ ዲያስፖራ

መግለጺ ኢኣኣ ዲያስፖራ

ለካቲት 11፤2021


ኣብ ውሽጢ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሼሽን (ኢኣኣ) ዝተፈጥሩ ችግራት፤ውሳነታትን ቅዋምን ኢኣኣ ዲያስፖራ ከምኡ’ውን ንዝተፈጥሩ ችግራት መፍተሒ እንብሎም ሓሳባትን ቀጻሊ ኣንፈት ውዳበና ብዝምልከት


ዝኸበርኩም ኣባላትን ደገፍትን ኢኣኣ ከምኡ’ውን ዝኸበርካ ህዝብና፤

ኣቀድምና ብወረርቲ ሓይልታት ኤርትራ፤ብልጽግናን ምልሻታት ኣምሓራን ብዝግበር ዘሎ ምንጻት ዓሌት ጸፍጻፍ ንዝሃለቁ ቤተሰብና፤ ህዝብናን ወገናትናን አብ ሓዘን ንዘለኹምን ዘለናን ጽንዓት ይሃብኩም፤ይሃበና ክንብል ንፎቱ፡፡ ዓድናን ህዝብናን ካብዞም ወረርቲ ነጻ ንወጸሉ ግዜ ርሑቅ ከምዘይኸውን ከዓ ተስፋ ንገብር፡፡

ብምቅጻል ናይዚ መግለጺ ቀንዲ ዋንን ኣብ ኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ) ውሽጥ ዝተፈጥሩ ችግራት እንታይ ምዃኖምን ኣብ ቀጻሊ ውዳበና እዞም ችግራት ከይድገሙ መፍትሒታት ይኾኑ እ’ዮም እንብሎም ሓሳባትን ከምኡ’ዉን ዉሳኔታት ኢኣኣ ንኣባላትን ደገፍቲን ንክፈልጡ/ጣ እንትኸውን፤ ኢኣኣ ሲቪል ማሕበርን ህዝባዊ ውዳበ ስለዝኮነ ይምልከቶ’ዩ እልና ብምእማን ህዝብና’ውን ክፈልጦ ንምግባር’ዩ፡፡

መእተዊ

ከምዝፍለጥ ኢኣኣ ቅድሚ ዓመትን መንፈቅን ኣብሉ ብዕሊ ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ዝስዕቡ ራእይ፤ተልእኾን ዕላማታት ሕዙ ዝተበገሰ ውዳበ ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ’ዩ፡፡

ራእይ

ጠንካራ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰረት ዘለዎ፤ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝተሓለወሉን ዝተማለአሉን፣ ብዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝማዕበለ፣ ብመንነቱ ዝሕበን፣ ኣብዝነብረሉ ከባቢ ኩሉ ኢሮባዊ ስነልቦናን ሓድነቱን ዝሓለወ ህዝቢ ኢሮብ ምርኣይ እዩ።

ተልእኾ

ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኢሮብ ብምጥንኻር፤ ምስ ካልኦት መሰል ትካላትን ህዝብታትን ናይ ዕላማ ሓድነትን ምትሕብባርን ብምፍጣርን ብምዕቃብን፣ ናይ ህዝቢ ኢሮብ ድሕንነትን ህልውናን ብምሕላውን ንኽሕሎ ብምግባርን፣ ቀፃሊ ዕድላትን ውሕስናን እቲ ህዝቢ ብመፅናዕቲን ምርምርን ብምድጋፍ ቀፃልነትን ህልውናን ብዝለዓለ ብርኪ ምርግጋፅ እዩ።

ዕላማታት

  1. ዴሞክራሲያዊን ሰብኣዊን መሰላት ሕዝቢ ኢሮብ ከምኡ እውን ቁጠባዊ ዛዕባን ዝመሳሰሉ ኩነታት ህዝቢ ምክትታል፣ ምግምጋም፣ ምትንታን ሓብረታን ምክረሓሳባትን ንህዝቢ፣ ንመንግስቲን ንኩሎም ንዝምልከምቶም ወገናት ምቅራብ፤
  2. ሲቪላዊ፣ ቁጠባዊ፣ ናይ ምልማዕ መሰላት ህዝቢ ኢሮብ ንኽዓቢዩ ምሕጋዝ፣ ምስራሕን ምሕላውን፤
  3. ፍትሒን ማዕረ ተጠቃሚነትን ህዝቢ ኢሮብ ምርግጋፅ፤ ብተወሳኺ ዝኾነ ጥሕሰት ኣብዝጋጠመሉ ግዜ ንዝምልከቶም ክልላዊ፣ ሃገራዊን ዓለምለኻዊ ትካላት ብሓፈሻ ሙሉእ ህዝቢ ንኽፈልጥ ብምግባር ናይ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ንኽውሰደሎም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ምግባርን ብሕጊ ምክርኻርን
  4. ህዝቢ ኢሮብ ቋንቋኡ፣ ባህሉ፣ መንነቱ፣ ሓድጉ፣ ቅርሱን ታሪኹን ንምሕላውን ንምዕባይን ንዝግበሮም ፃዕርታት ምብሪቲታዕን ምሕጋዝን፤
  5. ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ብምንፃርን ቀደምሰዓብ ብምትሓዝን፤ መናእሰይን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ ኢሮብ እግሪ ኣብምትካል ስራሓውቲ ምስታፍ፤ ከምኡ እውን ብመፅናዕቲን ምርምርን ኣብዝተነፀሩ ፀገማት ማሕበረሰብ ስነልቦናዊን መሰረታዊን ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ምስታፍን ስራሕቲ ልምዓት ንኽስፋሕፋሕ ምሕጋዝን፤

እዚ ራእይ፤ ተልእኾን ዕላማታትን ንምዕዋት፤ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኣባላት ኢኣኣ ከዓ ብዲያስፖራ ደረጃ ከም ቅርንጫፍ ተወድቦምም ሰክረታሪያት ብምክፋት፤ በቲ ሰክረታሪያት ኣብሎም ከዓ ካብ ዓዲ ወጻኢ ንኢኣኣ ወክሎም ንክሰርሑን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበሩ ስራሓውቲ ብሓሳብን ብገንዘብን ንክሕግዙ መደብ ተዋህቡዎም ስራሕ ጀምሮም፡፡ እቶም ቀዳሚነት ተዋህቡዎም ክስረሑ ዝተወሰኑ ጉዳያት ከዓ ዝስዕቡ’ዮም፡

  1. ካብ 1998 ጀምሩ ብመንግስቲ ኤርትራ (ሻዓቢያ) ካብ ገዛኦም ተዓፍኖም ተወስዶም ንኣስታት 23 ዓመታት ደሃዮም ዘይረከብና ልዕሊ 97 ሲቪላት ኣሕዋትና ደሃዮም ንምርካብ፤ብህወት እንተልዮም’ውን ናብ ዓዶምን ቤተሰቦምን ንክምለሱ ምስራሕ።
  2. ድሕሪ 1998 ወራር ኤርትራ ዝተገብረ ቅቡልነት ዘይብሉ ስምምዕ ኣልጀርስ መሰረት ብምግባር ዝተጣየሽ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሬትናን ህዝብናን ኣብ ክልተ ዝመቀለን ህልውና ብሔረሰብ ኢሮብ ዘጥፍእ ሓደጋ ዘለዎ ውሳኔ ክሻዕ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ንካሎኦት ዝምልከተን ዓለምለኸ ትካላት ብምቅራብ፤ ንብሔረሰብና ህልውና ዘለዎ ሓደጋ ንከፍልጡ ብምግባርን ብምምጓትን ንክቅየር ምስራሕ።
  3. ብኹናት ስነልቦናኡን መነባብሮኡ ዝተጎድአ፤ ብስእነት ስራሕ/ልምዓትን ብብልሽው ምምሕዳርን ዓዱ ገድፉ ናብ ውሑስ ዘይኮኑ ዓዲታት ወይ ከዓ ኣዚዮም ሓደገኛ ብዝኮኑ መንገድታት እናተሰደደ ብዙሕ ስቃይን ሞትን ዝበጽሖ ዘሎ መንእሰይ ኢሮብ፤ኣብ ዓዱ ኩነታት ተስተካክልሉ መነባብሮኡ ዝመሓየሸሉ ዕድላት ንክፍጠር ምስራሕን ዝብሉ ነይሮም፡፡

ናይ መጀመርታ ፈተና ኢኣኣ

ኢኣኣ ብምክንያት ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ካብ መጀመርታኡ ብሽፋን ሲቪል ውዳበ ንፖለቲካዊ ዓላማ ዝተጣየሸ’ዩ ብዝብል ውሱናት ሰባት ስግኣት ዝነበሮም እንትኸውን፤ ኣባላትን ኣመራርሓን ኢኣኣ ንሕጉን ዓላማታቱን ከምኡ’ውን ብውሳኔ ኣብዛሓ ኣባላቱ ዝግዛእ ስለዝኾነ፤ ብግሊ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ እምነት እንተሃለወና’ውን ብሕጊን ስርዓትን ተወድብና ንረብሓ ሕዝብና ብሓድነት ምስራሕ ይከኣል‘ዩ፤ ቡሱሩ’ውን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምህላው ንቡር ስለዝኮነ ኩልና ረብሓ ህዝብና እንድሕር ኣቀድምና ዕንቅፋት ክኾነና ኣይክእልን’ዩ እሎም ብምእማንን ብምትእምማንን ስራሑ ቀጽሉ፡፡ ኣብ ዲያስፖራ ጥራሕ ከዓ ናብ 125 ንኸውን ኣባላት ኢኣኣ ኮይንና። ካብዙይ ብምብጋስ ከዓ ዕላማታት ኢኣኣ ብደረጃ ዲያስፖራ ጽቡቅ ተቐባልነት ረኽቡ ክበሃል ይከአል።

እቲ ዝዓበየ ፈተና ኢኣኣ

ናይ ኢኣኣ አመራርሓን አባላትን አፈላላይ ግልጽ እናኮነ ዝመጸ ብፍላይ መንግስቲ ብልጽግናን ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ሕዝብ ትግራይ ቅሉዕ ኩናት ኣውጆም ትግራይ ምውራር ምስጀመሩ እዩ። አብዝ ግዘ ሰለስተ ኣባላት ኣመራርሓን ክልተ ኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ብሓደ ወገን፤ ኣብዛሓ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢኣኣ ዲያስፖራ ከዓ በቲ ሓደ ወገን ብምዃን ኣብ ዲያስፖራ ኢኣኣ ዓቢዪ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ ተፈጥሩ፡፡

ኣብ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝተፈጥረ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ እንታይ’ዩ?

ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቅሰ ኣብ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዓቢዪ ኣፈላላይ ዝተፈጥረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኹናት ምስተኣወጀን ወራር ምስተጀመረን እዩ፡፡ ኹናት ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ መበል ሳይልሳይ መዓልቲ፤ ኣመራርሓን ኣባላትን ንምታይ’ና ብዛዕባ እዚ ኹናትን ወራርን መግለጺ ዘይነውጽእ እሎም ምስሓተቱ ኣቦወንበር ሓዉሱ ብዝተወሰኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ኢኣኣ ዲያስፖራ እቲ ኩነታት ክሻብ ዝሓልፍ ስቅ እልና ንክንፀንሕ ፀቅጢ ክገብሩ ጸንሖም። ቀጽሎም ድማ ብጣዕሚ ንምእማን ዝከብድ መልሲታት ክህቡና ጀምሮም፡፡ መብዛሕትኦም አመራርሓን አባላትን ግና ንህዝብና ካብዚ ሐዚ ዘለናሉ እዋን ዝኸፍአን ድምፅ ዘድልየሉ ግዜ ፍፁም ኣይክህሉን ስለዝይ ንህዝብና ድምጽ ንኹን ስለዝበሉ እቲ አፈላላይ ግልጽ እናኾነ መጽኡ ። እዝይ ድማ አብ መብዛሕትኡ አመራርሓን አባላትን ቁጣዐ ፈጥሩ።

ካብቶም በብመዓልቱ እናተቀያየሩ ዝተውሃቡና መልሲታት ውሱናት ንምጥቃስ፡

  1. ብዛዕባ ኩነታት ኢሮብ ጽሑፋት እናዘጋጀና ሱቅ እልና ንጽናሕ'ሞ ግዜያዊ ምምሕዳር ምስተጣየሸ እንረክቦ ነገር እንተልዩ ንርአ፤
  2. ዝኸውን ዘሎ “ሕጊ ናይ ምኽባር ዘመተ’’ እዩ’ምበር ኹናትን ወራርን ክንብሎ ኣይንክእልን፤
  3. ኣብ ዓዲ ምስዘሎ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ርክብ ስለ ዝተቋረጸ፤ኣብዚ ጉዳይ መግለጺ ከነውጽእ ኣይንክእልን፤
  4. ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ዝእሰሩ ዘለው ተጋሩ ብቀጥታ ወይ ከዓ ብተዘዋዋሪ ኣብ ቅትለት ሓይሊ ምክልካል ዕዚ ሰሜን ዝተሳተፉ እዮም’ምበር ንጹሃን ተጋሩ ዝንክኦም የለን ወዘተ ዝብሉ ነይሮም፡፡

በዞም ብጣዕሚ ዘሕዝኑ መልሲታት ከይተወሰኑ ኣባላት ዲያስፖራ ኢኣኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝገብሩዎ ንጥፈታት እናተከታተሉ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምውጋዝ ንክቁጠቡ ንምእዛዝን ምምዓድን’ውን ሞክሮም’ዮም፤ ኣይሰለጦምን’ምበር፡፡

ድሕሪ ሕደት መዓልቲታት፤ሰለማዊ ሕዝብና ይጭፍጨፍ ኣሎ፤ንብረት ይጠፍእን ይዝረፍን ኣሎ፤ ኤርትራ’ውን ወርራትና ኣላ፤ ስለዚ ንሕና ንህዝብና ድምጺ ክንኸውን ይግብአና፤ንህዝብና ዝበጽሖ ዘሎ ወራርን፤ግፍዕን ጨፍጫፍን ከነውግዝ ይግብኣና ምስበልናዮም ከዓ ኣብ ውግእ ግዘ ጉድኣት አብ ሰለማዊያንን ንብረትን ምብጻሕ ንቡር’ዩ እሎም። ብምቅጻል ድማ ኤርትራ ወርራትና ክንብል ኣይንክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ ኢሳያስ ፖለትካ ብደምቢ ዝርድኦ ሰብ ምኻኑ ስለንፈልጦ ብፍፁም ትግራይ ክኣቱ ኣይክእልን’ዩ እናበሉ ንመዓልቲታትን ሰሙናትን ክምጉቱና ጸንሖም፡፡

ድሕሪ ክንደይ ጭቅጭቅ ድልየቶም’ኳል እንተዘይነበረ ተገድዶም እታ ናይ መጀመርታ መግለጺ ክትወጽእ ተገይሩ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልቲታት ከዓ ኣባላት ሐዚ’ውን ሱቅ ክንብል ኣይግብአናን እሎም ሕቶ ምሰልዓሉ፤ብክንደይ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ይውጻእ ዝብል መግለጽ አውጽኦም። ክብኡ ንዳሓ ድማ ካብ ኣሰራርሓ ኮሚቴ ወጻኢ ኣመራርሓ ከይተሰማመዐሉ ብውሑዳት ኣመራርሓ ድልየት መግለጺ ክትወጽእ ተገይሩ። መብዛሕትኦም ኣመራርሓ ከዓ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተለጠፈ’ዮም እቲ መግለጺ ዘንበብዎ፡፡ ኣብቲ መግለጺ ዝዓበየ ጌጋ ዝነበረ ከዓ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ማይካድራ ዝተገብረ ጨፍጫፍ ብሓይሊታት ትግራይ ከምዝተፈጸመን እቶም ዝተጨፍጨፉ ከዓ ኣምሓሩ ከምዝነበሩ ዝሕብር ጸብጻብ ብግቡእን ብዘይሻራዊ ትካል ከምዝተጻረየ ተቀብሎም፤እዚ ትካል ኣብ ዓዲግራትን ዛላንበሳን ዝተገብረ ጨፍጫፍ ንከጻሪ ጻውዕት ምቅራቦም ነይሩ፡፡ ነዚ ዓብዪ ስሕተት አብ ዝሓዘ መግለጺ ሓላፍነት ክወስዱን ክጥየቁሉን ዝግባእ ድማ እቶም ዘውጸኡዎ ውሑዳት ኣመራርሓ እዮም።

በዞም ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ኣካይዳን ኣሰራርሓን ኣዚዮም ዝተቆጠዑ ኣብዛሓ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኢኣኣ ህጹጽ ኣኼባ ንክጽውዕ ንኣቦወንበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ብተደጋጋሚ እንተሓተቱ’ኳ ብመሰረት ሕግደምብ 1/3 ኣባላት ኮሚቴ ህጹጽ ኣኼባ ይጸወዐልና እንተእሎም ምጽዋዕ እንትግባእ ምክንያት እናገበሩ ክሳብ ድሰምበር 19፤2020 ኣኼባ ከይጸወዑ ጸንሖም።

ድሰምበር 19፤2020 ኣብዝተገብረ ኣኼባ፤ ነባር ኣመራርሓ ንክቅየሩን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንክምረጹን ንጀንዋሪ 02፤2021 ናይ ኣባላት ኣኼባ ንክጽዋዕ ስምምዕ ተበጽሑ፡፡ በዚ ስምምዕ መሰረት ከዓ ኣመራርሓ ተከፋፍሉ ክሰርሕ ኣብዘይክእለሉ ኩኔታት ከምዘሎን ናይ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ግዝኦም ሓልፉ’ውን ስለዝኮነ፤ ነዚ ኣጋጥሙና ዘሎ ሓሳብ ኣፈላላይ መፊተሒ ክኸውን ዝክእል ሓደሽቲ ኣመራርሓ ምምራፅ ምዃኑ ብምትእምማን ንዲያስፓራ ኣባላት ሐደሽቲ ኣመራርሓ ክመርጽ ኣኼባ ንጽውዕ ኣለና እሎም ንኣባላት ጻውዕት ኣኼባ ተገይሩሎም፡፡

ይኹን’ምበር ብጀንዋሪ 02፤2021 ኣብዝተገብረ ኣኼባ እዞም ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓን ክልተ ኣባላትን፤ ኣመራርሓ በዚ እዋን ክቅየር ኣይግባእን ብምባል ብኣጀንዳ ዘይተትሓዘ ሓሳብ ኣምጽኦም ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓት ምርድዳእ ስለዘይተገብረን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምምራጽ እኩል ግዘ ስለዘይነበረ፤ ናይ ዝሓለፉ ዓመት ኣመራርሓን ኣፈጻጽማ ዓመታዊ ስራሓውቲ ኢኣኣ ዲያስፖራ ንምግምጋምን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምምራጽን ንጀንዋሪ 09፤2021 ካልእ ኣኼባ ንክንገብር ተሰማምዕና ተፈላልና፡፡ ድሕሪ ሕደት ማዓልቲታት ከዓ እዞም ኣመራርሓ ነበር ካብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተልኣከ መግለጺ’ዩ ዝበሉዎ ኣብ ማሕበራዊ ምዲያን ንኣባላትን ዘርግሖም፡፡

ናይቲ መግለጺ ትሕዝቶ ከዓ ኢኣኣ መሰረቱን ስራሑን ኣብ ዓዲ ከምዝኮነ ብምግላጽ ብዲያስፖራ ደረጃ ዝንቀሳቀስ ስክረታሪያት ካብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተውሃቦም ዕዮ ገዛ ብኣግባብ ንክፍጽምን ብዘይካ ፈጻሚት ኮሚቴ ትእዛዝ ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቃስ ከይገብር፤ ዝወፅእ መግለጺ ይኩን ኣብ ሚዲያ ዝግበር ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቃስ ብፈጻሚት ኮሚቴ ከምዝትግበር ዝገልጽ፤ ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ይትረፍዶ ንካሎኦት ድምጺ ክኮኑ ንባዕሎም'ውን ሃለዋቶም ውሑስ ከምዘይኮነ እናተፈልጠ ኣብዘይኮነ ግዘን ቦታን ከምዙይ ዝበለ ቀጥን ግላውነትን ኣምባገነንነት ዝተመልኦ ትእዛዝ ህቦም እንደገና ከዓ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምሪካብ ንህዝብና ድምጺ ክንኸውን ከምዘለና ዝገልጽ ንንባዕሉ ዝዋቃዕ መልእኽቲ ተሰድዱልና እሎም ብዲያስፓራ ኣመራርሓ ነበር ኣብ ናይ ኣባላት ግሩብ ተላእኩልና።

ንሕና ኣባላት ዲያስፖራ ኢኣኣ ግን በቲ ቆጾሮና መሰረት ብጀንዋር 09፤2021 ብዝተትሓዘ ኣጀንዳታት መሰረት ኣኼባና ንክንጅምር መራሒ መድረክ ናይቲ ዕለት ኣጀንዳታት ንምዝክካር ኣብ ዝጀመረሉ ሰዓት ካብቶም ኣመራርሓ ነበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝነበረን ኣመራርሓ ከይቅየር ዕንቅፋት እናፈጠሩ ካብዝነበሩ ሓደ፤ ናይ ኢኣኣ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣቦወንበር ካብ ዓዲ ኣብ ናይ ተለፎን መስመር ከምዘለውን መልእክት ከመሓላልፉ ዕድል ንሃቦም ብምባል ብሃንደበት ንመራሒ መድረክ ይሓቶ፡፡ መራሒ መድረክ ከዓ በቲ ኣጀንዳ መሰረት ክንከይድ ነይሩና ግን ሕራይ ንኣባላት ክሓትት ብምባል ንኣባላት ይሓቶም’ሞ ምስተሰማመዑ ኣቦወንበር መልእክቶም ንክቅጽሉ ይነገሮም።

ብጣዕሚ ብዝገርም ኩነታት እቶም ኣቦወንበር ኢኣኣ፤ ስልክ ንመጀመርያ ዝተከፈተሉ እዋን ዋላ እንተኮነ ኩሉ ነገር ከም ዝፈለጡ መስሎም ኣመራርሓ ንምቅያር እንታይ ኣድለየ፣ክሳብ ሐዚ ንህዝብና ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንታይ ገይርኩም፤ ኢቶም ዝሃብናኩም ዕዮታት ገዛ (ኢኣኣ ኣብ ወጻኢ ምምዝጋብ፤ ናይ ገንዘብ ሓገዝ፤ ወዘተ) ኣበይ ከም ዘብጻሕኩም ከይፈለጥና ዝብል ሕርቀት ዝተመልኦ መልእክቲ ኣመሓላልፎም፡፡ መራሒ መድረክ ዝነበረ ሪፖርት ዘይተገብረ፤ ወዮ ኩሉ ኮምኒከሽን ዕጽው ስለዝበረ ይኸውን፤ ብገንዘብ ሓገዝ ምንም ከምዘይገበርበና ምቅራብኩም ግን ትክክል ኣይኮነን፡፡ ገንዘብ ብኣድቮካሲ ደረጃ ከይኮነ ምስ ልምዓት ኢሮብ ብምትሕብባር ብምሉእ ኢሮብ ዲያስፖራ ደረጃ ዝተቋቋመ መከተ ኮሚቴ ኣብዝገብሮ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምትእክካብ ብውልቅና እናዋጻእናን ናይ ገንዘብ ምትእክካብ እናሓገዝናን እና ዘሎና፤ናብ ህዝቢና ክበጽሕ ዝከኣለሉ መንገዲ ምስተረክበ ከዓ ክላኣክኽ’ዩ፡፡ እቶም ካልኦት ዕዮታት ገዛ ብዝምልከት ስሩዕ ሪፖርት ክሻብ ዝግበር ካብ ኣመራርሓ ነበር ሓደ ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ ክቅርቡልኩም ዕድል ይህብ ኣሎኩ እሉ ምስ መለሰሎም፤ እቲ ኣብ ስልኪ መስመር ዝእተዎም ኣመራርሓ ነበር፤ ኣይ ቅድሚኡ ኣቦወንበር ብደምቢ ዘየብረህዎ ጉዳይ ስለዘሎ ዕድል ይወሃቦም ይብል፡፡

እቶም ኣቦወንበር ከዓ ቅድም እሉ ካብ ሓደ ኣባል ኢኣኣ ሕዝብና ንምሕጋዝ ምስ ወረርቲን ጨፍጨፍቲን ምስራሕ ትክክል ከምዘይኮነን እኳደኣስ ሓገዝ ምስዝህቡ ዘይሻራዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ክስራሕ እዩ ዝግባእ ዝብል ሓሳብ ምስ አቕረበ፤እቲ አቦ መንበር ብጣዕሚ ጌጋ ከምዝኾነ፤ ብስሩ’ውን ትኸዱዎ ዘለኩም ኣካይዳ ቅቡል ስለዘይኮነ ንሕና ክንቅበሎ ኣንክእልን እሎም ዘረባኦም ኣቋርጾም፡፡ ድሕረኡ ካልኦት ናይ ኣባላት ሕቶ ምምላስ ይኩን ወዮ ሓጽር ናይ ስራሕ ጸብጻብ ከተይቀበሉ እቲ ብተለፎን ኣእትይዎም ዝነበረ ኣመራርሓ ነበር ተለፎን ከምዝተቋረጸትን መልሱ ክድውል ከምዘይክእልን ይነግረና። ካብዚ እንርድኦ ከዓ እቶም ኣቦወንበር ምስቶም ካብ አመራርሓ ንምውራድ ድሌት ዘይነሮም ኣመራርሓ ነበር ተዋድዶም እቲ ኣኼባ ከይቅጽልን ሓድሽ ኣመራርሓ ከይምረጽን ንምዕንቃፍ መጽኦም ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ነይሩ።

ድሕርኡ ናበቲ ዕለት ዝተትሓዙ ኣጀንዳታት ብመራሒ መድረክ ብምዝክካር ኣኼባና ቀጽልና፡፡ ገምጋም ምስበጻሕና እቲ ገምጋም ብከመይ ነካይዶ ኣብ ዝብል ክልተ ሓሳብ ቀርቦም፡፡ እቲ ሓደ ኣመራርሓ ብግዴታኦምን ብሓላፊነቶምን መሰረት ተገምግሞም ሓደሽቲ ኣባላት ኣመራርሓ ክምረጹ ዝብል እንትኸውን እቲ ካላኣይ ሓሳብ ከዓ ብኣባላት ዘይኮነስ እቲ ዝነበረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ካብ ኣባላት ወፃኢ ክረአ ከምዘለዎ ዝጥይቅ ነይሩ፡፡ እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዘሎዎም ንዕቀትን ዘይምትእምማን ኣጉልሁ ዝገልፅ ተግባር ነይሩ፡፡ ካብዞም ክልተ ሓሳባት ኣየንኡ ከም እንክተል ብሕገደምቢና መሰረት ብድምጺ ንክውሰን ስምምዕ ተገይሩ፤ እቲ ዘጋጠመ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ይኩን ገምጋም ኣመራርሓ ብኣባላት ተገይሩ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንምረፅ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ኣፈላላይ ብዘለዎ ናይ ኣብላጫ ድምጺ ሓልፉ፡፡ ሽዑ ሰለሰተ ኣባላት ኣመራርሓ ነበር ብድምጺ ብልጫ ዝተወሰነ ውሳነ ብዘይምቅባልን ሕገደምቢ ኢኣኣ ብምጥሓስን ኣኼባ ረግጾም ወጽኦም፡፡ ካብቲ ኣኼባ ሕገደምቢ ረግጾም ዝወጹ ከዓ ኣብቲ ኣኼባ ንሓሙሽተ ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕን ኣብ ድምጺ ምሃብ ተሳትፎም ብብዙሕ ኣፈላላይ ብዘለዎ ድምጺ ምስተስዓሩ’ዩ ነይሩ፡፡

እቲ ኣኼባና ግን ቀፅልና ሓሙሽተ ሓደሽቲ ኣባላት ዘለዎ ኮሚቴ ኣመራርሓ ብምምራጽ እዞም ዝስዕቡ ሓላፊነትን ግዴታን ተዋህቡዎም ተዛዝሙ፡፡

ሓላፍነትን ግዴታን ሓደሽቲ ኣመራርሓ፡

  1. ኣብዝቅጽል ግዜ ናይ ኣባላት ኣኼባ ጸውዑ ተወሰክቲ ናይ ኣመራርሓ ኣባላት ንክምረጹ ምግባር።
  2. ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣመራርሓ ኣባላት ዝነበሩን ሕገ ደምብ ጥሕሶም ናይ ኣባላት ኣኼባ ረግጾም ዝወጹ ኣባላት ካብ ጀንዋሪ 9፤2021 ጀምሮም ኢኣኣ ዲያስፖራ ከምዘይውክሉን ብቃሎም ከም ዝሰማዕናን ኣባላት'ውን ድሕሪ እዛ ሰዓት ከም መራሕቲ ከም ዘይውክሉናን ቅድሚ ምውፃኦም ዝተገለጸሎም ስለዝኾነ፤ምስዝተመረጹ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብሕገደምብ መሰረት ምርክካብ ክገብሩ፤ እቲ ዝከድዎ ኣካይዳ ትክክል ከም ዘይኮነ ኣምኖም ዝቅይሩዎ ነገር እንተሃልዮ ክንሰምዖዎምን ምስ ዝተረፉ ንኡሳን ኮሚቴ ንቀፃሊ ክግምገሙን፤ ኣይ ዝከድናዮ ኣካይዳ ትክክል እዮ ሐዚ'ውን ኣይንግምገምን ዝብሉ እንተኮይኖም፤ ከምኡ'ውን ምስዞም ሓደሽቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብ ምርክካብ ዝፍጠር ዘይምስምማዕ እንተልዩ ብዝተክኣለ መጠን ኣብ ህዝብና ምድንጋራት ከይፈጥር ብውሽጢ ክውዳእ ተወስኑ።
  3. እቶም ረግፆም ዝወጹ ኢኣኣ ዲያስፖራ ንውክል እና እሎም ዝገብሩዎ ምንቅስቃስ እንተቀጽሎም ወይ ከዓ ሕዝቢ ዘደናግሩ እንተኮይኖም መልሲ ክህብሉ ሓላፍነት ተውህቡዎም።
  4. ኣብ ዝተፈላለየ ንኡሳን ኮሚቴታት እናሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት እኩል ገምጋም ተገይሩ ምምሕያሽ ክሳብ ዝግበር ፍቃደኛታት ዝኮኑ ኣብ ሓላፍነቶም ክጸንሑ፤ካብዚ ንላዕሊ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ከምዝተጠቀሰ ሕገደምቢ ዝጠሓሱን ኣይንግምገምን እሎም ናይ ኣባላት ኣኼባ ረግጾም ዝወጹ ኣመራርሓ ኣባላት ግን አይሓውስን።
  5. ናይ ዝሓላፈ ዓመት ኣመራርሓ ብዘርኣዩዎ ድክመትን (ብፍላይ ኣብ ቁጽር ክልተ ዝተጠቀሱ ናይ ኣመራርሓ ኣባላት) ምክፍፋልን፤ካብ ኮሚቴ ሓላፍነት ዝገደፉ፤ካብ ኣባልነት ዝወጹ ይኩን ብኣባልነት ምቅጻሎም ዘይምቅጻሎም ዘይፍለጡ ብቀጥታ ይኩን በቢከባብኡ ብዘለው ኣመራርሓን ኣባላት ኮሚቴ ብምዝርራብን ናብ ንኡስ ኮሚቴታት ይኩን ኣባልነት ንክምለሱ ምግባር።
  6. ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዘለው ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ኣመራርሓ ኣባላት ዝተፈጠረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብደምቢ ክርደኡን፤ብክልትኡ ወገን ዝነበረ ዘይምርድዳእ እቲ ብሓደ ወገን ጥራሕ ዝቀረበ ሓሳብ ብምስማዕ ዝከዱዎ ውሳኔታት ደግሞም ክርእዎ ምእንታን፤ዝነበረ ኩነታት ብክሊትኡ ወገን ንክርድኡ ብምግባር ርክብ ፈጥሮም ናይ ኢኣኣ ዲያስፖራ ምዕባለታት ከፍልጡን ምስ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ንኢኣኣ ዲያስፖራ ወክሎም ክረዳደኡን ናቶም ሓሳብ ክፈልጡን ተነግሮም።
  7. ኣብዚ ዕለት ዝተገብረ ናይ ኣባላት ኣኼባ ቃለጉባኤን ውሳኔታት ተሰንዱ ንኣባላት ንክቀርብን ዝብሉ እንትኸውን ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ ኮይኖም ዝተመርጹ ኣባላት ከዓ ብርሃነ ምስግና (ካናዳ)፤ መዓዛ ሃይለስላሰ (ሳዑዲ)፤ተስፋይ ሽፋረ (ካናዳ)፤ተስፋይ ገ/ገርግስ (እስራኤል)ን፤ግርማይ ሃይሉ (እስራኤል) እዮም፡፡

ብመሰረት ዝተውሃቦ ሓላፍነት ዕዮ ገዛ፤ ሓድሽ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ እቶም ሕገደምቢ ረግጾም ዝወጹን ብውሳነ ኣብዛሓ ኣባላት ኣይንግዛእን ዝበሉ ኣመራርሓ ነበር ካብ ጌጋኦም ንክእረሙ ከዘራርብዎም እንተፈተኑ'ኳ ክዘራረቡን ክእረሙን ፍቃደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም፡፡ እኳዳኣስ ብጎኒ ኣብ ዓዲ ንዘለው ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ሓብረታ ብምሃብ እቲ ኣብ ሞንጎ ዲያስፓራ ኢኣኣ ውሑዳት ኣመራርሓን ኣባላትን ዝተፈጠረ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣብዝወረድ ዘሎ ማእለያ ዘይቡሉ ጨፍጫፍን ግፍዕን ሓበራዊ ርድኢት ዘይምህላዉ እንከሎ፤ እዞም ኣመራርሓ ግን ኮነይ እሎም እቲ ዝተፈጥረ ኣፍላላይ ኣብሞንጎ ኣመራርሓን ግሩብ ፈጥሮም እዚ ድርጅት ንምፍራስ ዝንቀሳቀሱን ከምዝኮነ ኣምስሎም ንስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብምቅራብ ኣብ ልዕሊ ኣባላትን ኣብዛሓ ኣመራርሓን ሰፍ ዘይብል ፀለመ አውርዶም፡፡ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኹናት ከይኮነ ናይ ሕጊ ምክባር ስራሕ'ዩ ብዝብሉ ክልተ ኣባላት ኢኣኣ ተሓግዞም ዘይኮነ ሓብሬታ እናመሓላለፉ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ምስ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ንከይሰርሑ ከእምኑ ምንቅስቃስ ቀጽሎም፡፡

ብወገኖም ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ ብህጹጽ ክስረሑ ካብዝተውሃቦም ዕዮታት እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዘለው ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ርክብ ብምግባር እቲ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ንከረድኡ ስለዝነበረ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ናብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣቅርቦም፡

  1. ኣብ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኢኣኣ ከምኡ’ውን ኣመራርሓን ኣባላትን ዝተፈጠረ ናይ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ኣፈላላይ መበገሲኡ ሐዚ ብወረርቲ መንግስታት/ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወርዶም ዘለው ማእለያ ዘይብሎም ግፊዒታት ኣብ ምኩናንን ንዓለም ኣብ ምግዋሕን ዝተወስዱ ቅዋማት ናይ ውልቀሰባት’ምበር ንድርጅት ዝውክሉ ብዘይ ምንባሮም፤ ብተመሳሳሊ ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ብስመ ሕግ ምክባር ዝወርድ ኣብ ዘሎ ክሳራታትን፤ ጨፍጫፍን ሓበራዊ ርድኢት ክህልወና ዘይምክኣሉ ምኸአሉ እዩ።
  2. እቲ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብምርድዳእ ክፍታሕ እናተክኣለ ዝተወሰኑ ኣካላት ንሕና ገበርቲን ሓደግቲን እና ብምባል ብኣባላት ዝተገበረሎም ናይ ምርድዳእ ፃውዒት ብምንፃጎም ኣብ ናይ ዲያስፖራ ኣመራርሓን ኣባላትን ብቀልል ዘይግመት ምሒፍፋሕ ከምዘስዓበ፤ ብቅልጡፍ እንተዘይተዓርዩ ከዓ ካብ ድርጅት ሓልፉ ሓድነት ህዝብና ኣብ ምልሕላሕን ኢሮባዊ ስነ ልቦና ህዝብና ኣብ ምጉዳእን ዓብዪ ተራ ክህልዎ ከምዝክእልን።
  3. እቲ ዝተፈጠረ ክፍተት ንምፍታሕ ዝተገብሩ ዘይተሓለሉ ጻዕርታትን ክያዶታትን ብውሑዳት ኣመራርሓ ነበር ዝተፈጸሙ ናይ ሕገደምቢ ጥሕሰታትን፤ እዞም ናይ ሕገደምቢ ጥሕሰታት ተኸትሉ ብኣባላት ዝተገብሩ ውሳኔታት ንክፈልጡን ክርደኡን ገይርና።
  4. ከምኡ’ውን ንሐደሽቲ ኣመራርሓ ዝተውሃቡ ዕዮታት ገዛ፤ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብዝተውሃቦም ዕዮታት መሰረት እዞም ናይ ሕገደምቢ ጥሕሰት ዝፈጸሙ ኣመራርሓ ነበር እርማት ንክገብሩ ዝገበሩዎ ፈተነታት ንክርደኡ ብምግባር ብክልትኡ ወገን ዝነበረ ዘይምርድዳእ በቲ ሓደ ወገን ጥራሕ ብዝረከቡዎ ሓብሬታ መሰረት ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝሓዙዎ ቅዋምን ዝገበሩዎ ውሳኔታትን (ብኣቦወንበር ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣብ ኣኼባና ዝተገለጸ) ደግሞም ክርእዎን፤ ሕገደምቢና ዘኽብርን፤ ኣብ ሓቂን ሙሉእ ሓብሬታ (ብክልትኡ ወገን ዝቀርቡ) መሰረት ክውስኑን ዝብሉ ነይሮም፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ካብ ቁጽሪ 1-4 ዝተጠቅሱ ጉዳያት ናብ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ንምቅራብ ከዓ፡

  1. ምስ ኣቦወንበር ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብሓደ ኣባል ኮሚቴና ናይ ብዙሕ መዓልትን ነውሕ ናይ ስልክ ዝርርብ ተግይሩ፤
  2. ምስ ምክትል ኣቦወንበር ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብሓደ ኣባል ኮሚቴና ናይ ብዙሕ መዓልትን ነውሕ ናይ ስልክ ዝርርብ ተገይሩ፤
  3. ምስ ዋና ጸሓፊ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብሓደ ኣባል ኮሚቴና ዝተገብረን መልሲ ዘይተረክበሉ ናይ መሰንጀር መልእክቲታት ተላእኩ
  4. ምስ ዋና ጸሓፊ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ብሓደ ኣባል ኮሚቴና ዝተገብረ ናይ መሰንጀር መልእክቲታት
  5. ምስ ኣቦወንበር ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴን ሙሉእ ኣባላት ኮሚቴና ዝተትሓዘ ናይ ኣኼባ ቆጸሮ ተታሕዙ (እቶም ኣቦወንበር ግን ክርከቡ ኣይከኣሉን ወይ ከዓ ኣይደለዩን)
  6. ኣብ ቁጽሪ 4 ከምዝተጠቅሰ ኣቦወንበር ክርከቡ ብዘይምክኣሎም ወይ ከዓ ብዘይምድላዮም፤ ምስ ምክትል ኣቦወንበር ኣብ ኣኼባና ብስልኪ ንክኣትው ተገይሩ ዝተወሰነ ዝርርብ ተገይሩ (ንሶም’ውን ካብ ዝተወሰኑ ደቃይቅ ንላዕሊ ክጸንሑ ግን ፍቃደኛ ኣይነበሩን)

እንተኮነ ግን ስራሕ ፈጽሚት ኮሚቴ ድሕሪ እዚ ኩሉ ጻዕርታትን ምርድዳእን ኣብ ውሳነታቶም ምንም ለውጢ ክገብሩሉ ፍቃደኛታት ኣይነበሩን፡፡ ስለዝኾነ ከዓ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ዲያስፖራ ኢኣኣ ብዛዕባ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝስዕቡ መረዳእታታት ረክቦም፡

  1. ስራሕ ፈጻሚ ኮሚቴ ኣባላት ኣብ ኣባላት ኢኣኣን ሕዝቢን ዓቢዪ ንዕቀት ከምዘለዎም፤ ብጀንዋሪ 09፤2021 ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኣባላት ንዝውክሉዎም ኣመራርሓ ከምዝመረፁ እናፈለጡ ምክንያቱ ብዘይተፈለጠ ምክንያት ከም ኣመራርሓ ተቀባልነት ከም ዘይብሎም ወስኖም፡፡ እቶም ብግልፂ ሕገ ደንምብ ጥሕሶም ንኣኼባ ረግፆም ንዝከዱ ኣባላት ከዓ ከም ኣመራርሓ ንክቅፅሉ ምውሳኖም እቲ ሕገ ደንብና ብግልፂ ዝጥሕስ እዩ፡፡ እዝ ኣካይዳ ድማ ንኣባላትን ንሕግን ዘይምክባር ጥራይ ዘይኮነስ ዓቢዪ ንዕቀት ከምዝኮነ፡፡
  2. ንሕዝቢ ጠጠው ዝበለን ንኣባላቱ ዝውክል ኣመራርሓ ከምዘኮነ፤ ከም ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ብክልትኡ ወገን ዘሎ ዘይምትእትታው ቅድምያ ተዋህብዎ ናብ ምርድዳእ ንክብፃሕ ክስራሕን ኩሎም ኣባላት ብሕብረት ንህዝቢ ጠጠው እሎም ንክሰርሑ ርኡይ ተራ ክፃወቱ እናተገበኦም እዚ ኣብ ምትግባር ነቶም ጠጠው እልናሉ ኣለና ዝብሉዎ ህዝቢን ኣበላትን ዘርኣዪዎ ዘይተወፋይነት ዝገልጽን፤ንግላዊ ረብሓ ጥራሕ ዝሰረሕ ምዃኑ
  3. ነቲ ማሕበር ዝውክሉን ናይቲ ማሕበር ዕላማታት ንምስካዕ ዝሰርሑ ዘይኮነስ እዚ ማሕበር ሽፋን ገይሮም ንካልእ ዕላማታት ዝንቀሳቀሱ እዮም ምክንያቱ ብኣባላት ኣይትውኩሉናን ንዝተብሃሉ ኣመራሪሓ ነበር ንክቅፅሉ ኣብ ውሳኔ ዝተበጽሓሉ ምክንያት ብግልፅ ሕገደምብ ኢኣኣ ምጥሓስን ካልእ ግልፅ ዘይኮነ ናይ ባዕሎም ዓላማ ከም ዘለዎምን
  4. ሕገ ደምብና ዝጠሓሱን ካብ ኣመራርሓ ዝወረዱን ኣባላት ከም ኣመራርሓ ተቀብሎም ንሕና’ውን ክንቅበል ምውሳኖም፤ መግለጺ ምውጻእ ይኩን ንሚዲያታት ሓሳብ ምሃብ ክትገብሩ ኣይትክእሉን ምባል ንባዕሎም’ውን ብሕጊ ከምዘይግዘኡን ኣምባገንን ምዃኖም
  5. ኣባላት ዲያስፖራ ኢኣኣ ብሕጊ ‘ምበር ንኣምባገነን ኣካይዳ ብፍጹም ክቅበሉ ከምዘይንክእሉ ዘይተረደኦም ምዃኑ
  6. ዋላ ካብ ሕገደምቢና ወጻኢ እንተኾነ ንሕና ዝበልናዮ ዘይቅበል ስጉምቲ ኽንወስደሉ ኢና ምባሎም ብጣዕሚ ዝገርምን ዘሐፍርን ከምዝኮነ
  7. እቲ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓን ኣባላትን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ከም ምክንያት ብምጥቃም ድርጅትና’ዩ እሎም ሓደ ዓመትን መንፈቅን እጃሞም እናዳወፈዩ ንዝፀንሑ ኣባላትና ደገፍቲ’ምበር ኣባላት ከምዘይኮኑ ብምስትንዓቅ ምግላፆም ከዓ ሕፍረት ዝበሃል ከምዘይፈልጡ
  8. እቶም ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣባላት ምስቶም ሕገደምብና ዝጠሓሱ ኣመራርሓ ነበር ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ዕላማን ዘለዎም ወይ ከዓ ብጀካኦም ምስ ካልእ ኣመራርሓ ብፍፁም ክሰርሑ ከምዘይክእሉን ንሳቶም እንተዘይቀፅሎም ከዓ እቲ ናይ ዲያስፖራ ሴክሬታሪያት ንከፍርሱ ዘይሕጋዊ ውሳኔታት ዘሕልፉ ግቡዛት ምኳኖም

ካብዞም ዝገበርናዮም ርክባት ብምብጋስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ዘሎ ናይ ኢኣኣ ምንቅስቃሳት ብጠቅላላን ካብ ናይ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኣካይዳ ብፍላይን፤ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ እዞም ዝቅጽሉ ስግኣታት ሓድሩና።

  1. ባዕዳዊ ወራሪን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ኢሮብ ስለዘይዉክልን ህዝብ ኢሮብ ካብ ባርነት ንክወፅእ’ምበር ናብ ባርነት ክምለስ ስለዘይተቃለሰ፤ ብዝያዳ ኣባገነናዊ (ጨቋኒ) ስርዓት ስለዘይቅበልን፤ ምስ ዝኮነ ይኩን መንግስታዊ ኣካላትን ካልኦትን ብሽም ድርጅት ህዝቢ ኢሮብ ወክሎም ዝገብሩዎ ምንቅስቃሳት ተቕባልነት ዘይቡሉን ሓደገኛን ሙዃኑን ተረድእና።
  2. ብሽም ሓገዝ ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስ እቶም ወረርቲ ፖለትካዊ ረብሓ ንምርካብ ንኢኣኣ መሳረሒ ክገንሩዎን ቃልሲ ብሲቭላዊ መንገዲ ብምሕያል ዘይመንግስታዊ ትካላት ንክኣትዉ ፀቅጢ ብምፍጣር ሰብኣዊ ሓገዝ ብኦም ገይሩ ንክሳለጥ ብምግባር ምስቶም ወረርቲ ንክተሓባበሩን ካብ ሲቭላዊ ኣሰራርሓ ወጺኦም ከም ምልሻ እዶም ክህቡን ንሰራዊት ብልፅግና ክንሰደልኩም እልናዮም ዝብሉ ጉዳያት/ሓሳባት፤ ኢኣኣ ካብቲ ጠጠው ዝበለሉ ዓላማታት ብፍጹም ዝረሓቁ ስራሓውቲ ናብ ምስራሕ ይኣቱ ከይህሉ ዝብሉ ነይሮም፡፡

ካብዚ ቀጽሉ ሓደሽቲ ኣመራርሓ ብዛዕባ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ዝተረደኡዎን ዝሓደሮም ስግኣታትን ንኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ቀሪቡ ውሳነ ክወሃበሉ (ቅዋም ክውሰደሉ)፤እቶም ሕገደምቢ ጥሕሶም ንክእረሙ ዝተጠየቁ ኣመራርሓ ነበር’ውን ምንም እርማት ክገብሩ ድሌት ከምዘይሎምን ኣብ ሕገደምቢ ብዝተቀመጠ ኣገባብ ብድስፕሊን ንክረኣዩ ውሳነ ንምግባር ከምኡ’ውን ተወሰክቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኢኣኣ ዲያስፖራ ንክምረጹ፤ንጀንዋሪ 30፤2021 ናይ ኣባላት ኣኼባ ጸውዑ፤ ኣጀንዳታት‘ውን ንኩሎም ኣባላት ዘርግሑ፡፡ ኣብቲ ኣጀንዳ ዝተዘርገሐሉ ናይ ኣባላት መድረክ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚቴን እቶም ብድስፕሊን ንክረኣዩ ዝተወሰነ ኣመራርሓ ነበር ኣባላት ስለዝኮኑ፤ ካብኣቶም ገልኦም እቶም ኣጀንዳታት ብዙሕ ጸገም ኣሎዎም እሎም ሓሳብ ዝሃቡ እንተነበሩ’ዃ ውጽእቱ እንታይ ክኸውን ከምዝክእል ስለዝፈልጡ ከምኡ ከምዝብሉ ይፍለጥ ስለዝነበረ ብዙሕ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን፡፡

እቲ ንጀንዋሪ 30፤2021 ዝተጸወዐ ናይ ኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ኣኼባ መዓልቲ በጽሑ፤ ኣኼባ ድሕሪ ምጅማሩ ብግምት ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብሉ ወዮ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኢኣኣ ንዲያስፖራ ቅርንጫፍ (ሰክረታሪያት) ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀምረ ኣፍርሰዮ ኣለኹ ዝብል መግለጺ ኣውጽኡ፡፡ ነቲ መግለጺ ምስራኣና ከዓ እቶም ቅድም እልና ዝተረዳእናዮምን ከም ስግኣታት ዘቅመጥናዮምን ሓቂ ከምዝነበሩ ንዂልና ግልጺ ኮይኑ፡፡ ኣባላት ኢኣኣ ዘይኮኑ ንክፈልጡ ዝኣክል፤ብሕገደምቢ ኢኣኣ ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ሓደ ቅርንጫፍ ናይ ምክፋት ይኩን ናይ ምዕጻው ስልጣን የብሉን፤ እዚ ስልጣን ናይ ቤት ምክሪ (ካውንስል) ወይ ከዓ ጠቅላላ ጉባኤ ኢኣኣ ጥራሕ’ዩ፤ኣብ ኢኣኣ ድህረገጽ ናይ ኢኣኣ ጋቨርናንስ ዓምዲ ክትርእዩ ትክእሉ፡፡ ኣባላት ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ይኩኑ እቶም ቅድም እሎም ሕገደምቢ ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝጠሓሱ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ነበር ብፍጹም ንሕጊ ተገዛእቲ ከምዘይኮኑ ብቀልሉ ካብ ዘረድኡ ተግባራት እዚ ሓደ ተገይሩ ክውሰድ ይከኣል፡፡ እዞም ውልቀሰባት ውልቃዊ/ፖለቲካዊ እምነቶም ወይ ከዓ ረብሓኦም ክብሉ ንረብሓ ሕዝቢ ጠንጠነለይ እሎምን ሕገደምቢ ምጥሓሶምን ብዘይ ምንም ጥርጥር ዘረጋገጸልና ተግባር’ውን እዩ።

ውሳነታትን ቅዋምን ኢኣኣ ዲያስፖራ

  1. ንረብሓ ሕዝብና ዘየቀድሙን ሕገደምቢና ኣክብሮም ብኣባላት ኢኣኣ ዲያስፖራ ምስ ዝተመተርጹ ኣመራርሓ ክሰርሑ ዘይክእሉ ግለሰባት፤ ዓላማታት ኢኣኣ ዘፈፅሙን ንህዝብና ደው ዝበሉ ዘይኮኑስ ንናይ ውልቀ ድሌቶም ዝቆሙ ስለዝኮኑ ንሕና’ውን ዓላማን ራእን ናዚ ማሕበር ንምፊጻም እምበር ንናይ ግለሰባት ኣተሓሳስባን ኣምባገነናውነትን ከምዘይንሰርሕን ከም ፈጸሚት ኮሚቴ ከምዘይውክሉናን ህዝብና ክፈልጠልና ንፈቱ።
  2. ስራሕ ፈፃሚት ኮሚቴ ዲያስፖራ ኢኣኣ በቲ ሕገ ደምቢ መሰረት ኣመራርሓ ናይ ምምራፅን ምውራድን መሰል ጥሕሶም ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ ዝብል ኣምባገነናዊ ውሳኔ ዘይንቅበል ምዃናን ንኢኣኣ ከምዘይውክሉን ህዝብና ክፈልጥልና ንደሊ።
  3. ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኢኣኣን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ውሑዳት ኣመራርሓ ነበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ንካልእ ዕላማ ዓሊሞም (ውልቃዊ ወይ ከዓ ፖለቲካዊ) ዝንቀሳቀሱ’ምበር ረብሓ ህዝብና ኣቀድሞም ዕላማታት ኢኣኣ ዘፈጽሙ ዘይምዃኖም ኩሎም ኣባላት ኢኣኣን ህዝብናን ክፈልጡዎ ኣሎዎም፤ እቶም ዝገብርዎም ምንቅስቃሳት’ውን ብውልቆም ዝሕተቱሉ እምበር ንኣባላት ኢኣኣን ህዝብናን ከምዘይምልከት ክነፍልጥ ንደሊ።
  4. ስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኢኣኣን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ውሑዳት ኣመራርሓ ነበር ኢኣኣ፤ ህዝቦም ብምክሓድ ብግልጺ ምስ ጸላእቲ ጠጠው ዝበሉ ስለዝኾኑ ህዝብና ብንቅሓት ክከታቶሎምን ጥንቃቄ ክገብርን ንጽውዕ።
  5. ራእን ተልእኾን ዓላማታት ኢኣኣ ሎሚ’ውን ንኣምነሎም ከምዝኮኑን ናይ ኢኣኣ ዓይነት ውዳበ ካብ ዝኮነ እዋን ንላዕሊ ንህዝብና ሎሚ ከምዘደልን ንኣምን ምዃና ነፍልጥ፡፡
  6. ኢኣኣ ካብ ሽምን አርማን ጀሚሩ ብሓድሽ ኣወዳድባን ተስተኻኽሉ ክቅጽል ከምዘለዎ ተረድና ወሲና ኣለና።
  7. ኣብዛሓ ኣባላት ኢኣኣ ነበርቲ ዲያስፖራ ስለዝኮና እዚ ውሳነ ናይ ኣብዛሓ ኣባላት ኢኣኣ ከምዝኮነ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡

ንዝተፈጥሩ ችግራት መፍተሒ እንብሎም ሓሳባትን ቀጻሊ ኣንፈት ውዳበና

  1. ራእይ፤ተልእኾን ዓላማታት ኢኣኣን (ዝውሰክን ዝቅነስን ተራእዩ) ዝሓዘ ውዳበ ኣብ ዲያስፖራ ከምብሓድሽ ተወድቡን ተመዝግቡን ንህዝብና ድምጺ ክኸውን፤ ኣብ ትግራይ ምውዳብን ብሕጋዊነት ምንቅስቃስን ዝፈቅድ ኩነታት ክፍጠር ከሎ ግን ኣብ ዓድና’ውን ተመዝግቡ ስራሑ ንክሰርሕ እንተዝግበር፤
  2. ብስራሕ ፈጻሚት ኮሚቴ ኢኣኣን ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ውሑዳት ኣመራርሓ ነበር ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝወሰዱዎም ኣባላት ኢኣኣ ዘይውክሉ ቅዋማትን ብዝተገብሩ ናይ ሕጊ ጥሕሰታት ብምቅዋም ካብ ኣባልነት ኢኣኣ ዲያስፖራ ዝወጹ ናብዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ንክምለሱ ምግባር፤
  3. እዚ ከም ብሓድሽ ዝውደብ ትካል ወይ ከዓ ማሕበር ኩሉ ግዜ ንረብሓ ህዝብና ጠጠው ዝበለ፤ ብግልጺ ንዘቅመጦም ዓላማታት ንምስካዕ ዝሰርሕን ኣባላቱን ኣመራርሓኡን ብዘውጽኦ ሕገደምብ ተገዛእቲ ከምዝኮኑ ከረጋግጽ ከምዘለዎ፤
  4. እዚ ሓድሽ ውዳበ ኣባላቱ ኣብ ዝምልምለሉን ኣመራርሓኡ ኣብ ዝመርጸሉን እዋን ካልእ ውልቃዊ ወይ ከዓ ፖለትካዊ ዕላማ ዘለዎም ውልቀሰባት ኣብዚ ውዳበ ኣትዮም ናይ ኢኣኣ ዓይነት ችግር ከይፈጥሩ ጥንቃቀ ምግባር፤
  5. እዚ ውዳበ ኣብ ኢኣኣ ካብ መጀመርታኡ ዝተወሰኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖለቲካዊ ዕላማ ኣሎዎም እዮም እሎም ብምስጋእ ብኣባልነት ክሕቆፉ ዘይደለዩ ነበርቲ ዲያስፖራ እውን እቲ ችግር ፍታሕ ዝተገብረሉ ምዃኑ ፈልጦም ንክሳተፉ ጻውዕትን ጻዕሪን ክገብርን
  6. እዚ ውዳበ ኣብ ህዝብና በጽሑ ዘሎ ወራርን ዝበጽሕ ዘሎ ምጽናት ዓሌት ጨፍጫፍን ግፍዕን ብትሪ ዝኩንንን ንመፍትሔ ዝቃለስ ድምጺ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ ንብል፡፡

ኢኣኣ ዲያስፖራ

ለካቲት 11፤2021

IROB PEOPLE AT THE ETHIO-ERITREA BORDER REGION OF TIGRAY ARE STARVING AND NEED URGENT AID!!

IAA DIASPORA SECRETARIAT

December 21, 2020

IROB PEOPLE AT THE ETHIO-ERITREA BORDER REGION OF TIGRAY ARE STARVING AND NEED URGENT AID!!

It has been almost two months since the Ethiopian Government declared war in Tigray. This war has been accompanied with the total communication blackout and closure of the region from the basic services like food, telephone, electricity, medicine, banks, internet, etc. The Irob district that is inhabited by the Irob people and located in the north east of the Tigray Regional State, bordering Eritrea, is believed to be one of the worst victims of the ongoing war.

In addition to being one of the remote areas of Tigray Regional State, the Irob was under siege due to the military standoff between Ethiopia and Eritrea for more than two decades. And this year, before the current war, it has been already ravaged by locust and Coved-19 pandemic. Now Irob Advocacy Association (IAA) Diaspora Secretariat has credible information that the Irob people are displaced and starving to death in the mountains of the Irob district and there are reports that the district including the district local government administration offices is currently occupied by the Eritrean Forces with the Eritrean flag installed in the district areas.

There are also credible reports that a number of civilians were killed, the priests and other civilians were abducted, the public and private properties including schools and health centers looted, the stored grains from residential homes and the clergy stores were raided and taken away by the Eritrean Forces. It is to be recalled that Eritrean Forces abducted over 97 Irob civilians during Ethio-Eritrean war about two decades ago and their whereabouts is not known to-date. We are extremely alarmed by these reports and concerned that many people might have also been starved to death already as the people in the area were dependent on safety-net programs that were suspended by the Ethiopian Government a few months ahead of the ongoing war.

Still worse, the Irob district is little known and the current grave situation of the Irob people is not getting the attention the situation warrantees from the international community. The Irob people are a minority ethnic group in the region and don’t have a voice regardless of their dire situations. The Irob Advocacy Association (IAA) Diaspora Secretariat is gravely concerned that this trend is continuing during the ongoing war and the humanitarian disaster while the Ethiopian Government is trying to project a different picture regarding the current situation in Tigray Region and the scope of the crisis to the international community.

Just last week, three weeks after the Ethiopian Government announced that the war in Tigray was over, unconfirmed sources claimed that there was war going on in the Irob district, allegedly between the Tigray and the Eritrean Forces. As the international community may be already aware, neither Ethiopia nor Eritrea are admitting the Eritrea’s involvement in current war inside Tigray. However, Eritrean Forces being indeed inside all over Tigray and fighting alongside the Ethiopian Government Forces is acknowledged by the US State Department and reported by the international media such as Reuters, the Gradian, etc. These medias also reported, using diplomatic sources and eye witnesses, that the Eritrean Forces are engaged in frequent raids of civilian homes, mass lootings of the public and private properties, and the barbaric killings of the civilians in Tigray.

You can only imagine much worse situation in the remote areas of Tigray like the Irob district. The limited reliable reports we have and mentioned above attest to the grave concerns we have. What is the most alarming is that the occupation of the Irob district by Eritrean Forces may not be temporary as the Ethiopian Prime Minster admitted to the United Nations Secretary General that the Ethiopian Government allowed the Eritrean Forces to occupy some parts of Tigray that Eritrea claimed during the Ethio-Eritrean war. It is well known that Eritrea claims parts of the Irob district though baseless.

With the recent restoration of some communication in Mekelle, the capital of the Tigray Region, the Ethiopian Government officials and media are claiming the return of the region to the normalcy. It is important to note that this claim is far from the truth. Tigray is not just Mekelle! The most parts of Tigray and millions are still in total darkness with no basic needs like food, water, electricity, health and bank services for almost two months. And this is happening with the complete communications blackout, and with no humanitarian aid and independent media access. We fear that the remote parts of Tigray like Irob will continue with the same situation for longer. We are gravely concerned that it will be too late by the time those services will be restored if they will be at all. And the occupation of the Irob district by the Eritrean Forces makes the Irob situation even more complicated within the Tigray context.

Our Urgent Plea

IAA Diaspora Secretariat:

  1. Calls upon the Ethiopian Government to allow unfettered humanitarian aid access to the Tigray region, to stop the total communication blackout, and open the region for independent media.
  2. Calls upon the International Humanitarian Organizations and all the concerned to immediately and directly reach out to the remote areas such as Irob with emergency aid for the basic needs like food and medical services.
  3. Condemns Eritrea’s involvement in this war and the invasion of Tigray and calls upon Eritrea to leave immediately. We also plea to the international community and the United Nations to hold Eritrea accountable and put pressure to leave Tigray.
  4. Calls upon Eritrea to release the abducted priests and civilians during the ongoing war and about two decades ago unconditionally. We also plea to the international community and the United Nations to hold Eritrea accountable and put pressure to release these abductees.
  5. Condemns the Ethiopian Government for allowing Eritrea (a foreign and neighboring country) to join the war in Tigray and occupy parts of the Tigray Region indefinitely.
  6. Calls upon the Ethiopian Government Forces to discharge its responsibility of protecting the civilian population and to stop the mass lootings of the public and private properties in Tigray ASAP.
  7. Calls upon the Ethiopian Government to allow independent investigation into the ongoing war in Tigray and assess the scope of the total damage, the root cause of the war, the conduct of the war, the human rights violations, the possible occurrences of war crimes, and the victims and culprits behind any such violations and crimes.

አስቸኳይ ጥሪ

ከኢሮብ ኣድቮካሲ ኣሶሴሽን (ኢኣኣ) ዲያስፖራ ሰክረታሪያት

ህዳር 17 2013 ዓ.ም.

ከሁሉም አቅጣጫ በትግራይ ላይ የታወጀው ጦርነት ይኸው ሶስተኛ ሳምንቱን የያዘ ሲሆን፣ ሁሉም ዓይነት የመገናኛ መስመሮች በመዘጋታቸው ሕብረተ ሰባችን ምን ሁኔታ ውስጥ እንዳለ ለማወቅ ፍጹም አልተቻለም። በዚህ ምክንያትም፣ አገር ወስጥ ያሉና ውጭ አገር የሚኖሩ ቤተዘመድና ቤተ ሰብ ቀርቶ ኢትዮጵያ ውስጥ ያሉትም ጋር መገናኘት አልተቻለም። ከዚህም አልፎ ትግራይ ውስጥ ራሱ የቤተሰብ ግንኙነት ስለመኖሩም የሚታወቅ ነገር የለም። ትግራይ ውስጥ ከቦታ ወደ ቦታ መጓጓዝም የሚቻል አይደለም። ከዚህም አልፎ በሚካሄደው ጦርነት ቡዙ የሰው ህይውት መጥፋቱን፡ በርካታ ንብረት መዘረፉና ከጥቅም ውጭ መደረጉ መረጃዎች እየደረሱን ነው። ከሁሉም የሚያሳስበው ደግሞ ከጦርነቱ ጋር ምንም ግንኙነት የሌላቸው ሲቪል ነዋሪዎች የውግያው ሰለባ እንደሆኑ በማይካድራ የደረሰው የሰው እልቂት እንዲሁም በዛላንበሳና በዓዲግራት ከተሞች በደረሰው የንጹሃን ግድያ እጅግ አሳሳቢና፣ አሳዛኝ ነው።

በመሆኑም፣ የሚመለከታቸው ወገኖች ሁሉም የሚከተሉትን ሁኔታዎች እንዲያተገብሩ የኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን (ኢኣኣ) ዲያስፖራ ሰክረታሪያት ጥሪውን ያቀርባል፣

  1. አሁንም ጦሪነቱ ቆሞ በአስቸኳይ ውውይት እንዲጀመር፣
  2. በማይካድራ በንጹሓን ላይ የደረሰውን ልብ የምሰብር ጭፍጨፋ በሌሎች አከባቢዎች እንዳይደገም ጥንቃቄ እንድደረግ፤ አዲግራትና ዛላምበሳ የተከሰትውም ነገር በገለልተኛ ወገን እንዲጣራ፤
  3. ለትግራይ ህዝብ እርዳታና አስፈላጊ የሰበአዊ ዲጋፍ የሚሰጡ አካላት የሚተላለፉባቸው ኮሪዶሮች በአስቸኳይ እንዲከፈቱ
  4. የኤርትራ ሠራዊት ከ1990-1992 ሁለት አገራችንን በወረረበት ጊዜ ሙቀጫና ከእንጨት የሚዘጋጀው ዘነዘና ሳይቀር ወሮና ጭኖ የሄደበት ሁኔታ እንደነበረ በሰነድ ማረጋገጥ ይቻላል። አሁንም ቢሆን በጠረፍ አከባቢ በሚገኙ ከተሞችና መንደሮች፤ ውስጥ የመንግስት፡ የህዝብና የግል ንብረት እየዘረፉ መሆናቸው ሲንሰማ አያደርጉትም ለማለት የሚያስችል ሞራል የለንም። በተለይ ድርጅታችን የቆመለት በድምበር የሚኖር የኢሮብ አናሳ ብሐ/ሰብ ጉዳይ በእጅጉ አሳስቦናል። እንዲህ ዓይነት በየከተሞቹና መንደሮች የሚደረጉ የንብረት ዘረፋዎችና ወረራዎች እንዲቆሙ፣ እንዲሁም የኤርትራ ሰራዊት እኒዚህ ከቶሞች፡መንደሮችና በአጠቃላይ የኢትዮጵያ መሬት ለቆ በአስቸኳይ እንዲወጣ፡
  5. በትግራይ ከተሞች የሚካሄድ ጦርነት ከፍተኛ የሲቪሎች ህይወትና ንብረት እንደሚበላ ለማንም ግልጽ ነው። ስለሆነም፣ ተዋጊ ኃይሎች ከህዝብ መኖርያ ቤቶች አከባቢ እንዲርቁና ሁኔታዎችን ህዝባዊ ሓላፊነት በተሞላበት ሞራል እንዲመሩ:
  6. እንዲሁም በተለያዩ የኢትዮጵያ ከተሞች፡በሚኖሩ የትግራይ ተወላጆች ላይ እየደረሰ ያለው፡ በሄር ተኮር ጥቃቶች በአስቸኳው እንዲቆሙ ጥሪ እናቀርባለን።

በዚህ ጦርነት ውስጥ በማንኛውም ጦርነት እንደሚሆነው ሁሉ ተጠቂው ድሃው ህዝብ ነው። ስለሆነም፣ ለሲቪል ህዝብ ህይወት ደህንነት ከፍተኛ ጥንቃቄ እንዲደረግ ኢኣኣ ዲያስፖራ ሰክረታሪያት ጥሪ ያቀርባል።

ፈጣሪ ህዝቦቿንና ኢትዮጵያን ይጠብቅ!

Urgent Appeal about the War in Tigray

IROB ADVOCACY ASSOCIATION

DIASPORA SECRETARIAT

November 26, 2020

The Ethiopian Government and Tigray regional Government both have the responsibility to avoid war crimes! Both governments should protect non-combatant civilian citizens! With the culmination of the 72-hour ultimatum, Mekelle city and its surroundings are now a war zone, following PM Dr. Abiy Ahmed’s announcement today. We also heard from military officials that the operation will be primarily with fighter planes and tanks. We are gravely concerned that this operation may cause heavy civilian calamities, given Mekelle is a city of more than 500,000 residents. We remind both sides to do all in their capacity to minimize civilian deaths and strictly adhere to the International War rules and International Humanitarian Law that applies to armed conflict so that civilian deaths are avoided.

We are extremely worried and disappointed that civilians are left encircled and trapped amid all-out war without escape routes, safe zones or basic necessities for over three weeks. People of Tigray are starving as everything is blocked in Tigray for over three weeks. Total information blackout, no food, water, medicine, or cash, no access to humanitarian assistance! We urge the Federal and Tigray governments to create a safe corridor for civilian population and permit access for humanitarian support in this crisis.

Despite the information blackout for over three weeks from Tigray, we are hearing widespread lootings and civilian killings in many areas of Tigray, particularly widespread in Ethio-Eritrean border towns and villages. Both governments should take swift measures to safeguard civilians and their property.

Banks in Tigray has been closed for over three weeks and bank accounts of many Tigrayans throughout the country are being blocked. This is starving innocent civilians and should be restored immediately. Ethnic profiling of innocent Tigrayans all over the country is another concern that should be stopped immediately.

We see images of widespread public property destruction like airports, bridges, historical sites, religious institutions. This needs to stop immediately!

The violations aforementioned are already extremely worrisome and alarming. Even worse is that, this might be only the tip of an iceberg of the widespread reality on the ground as we are in total information blackout. We condemn these violations with the strongest possible terms, regardless of who the actors might be. Both Governments need protect non-combatant civilians and their property. Independent investigation should start immediately to assess the scale of the damage and crimes throughout Tigray during this war, and to bring criminals to justice!

THE WORLD NEEDS TO ACT NOW!

IROB ADVOCACY ASSOCIATION

DIASPORA SECRETARIAT

November 17, 2020

Irob Advocacy Association, Diaspora Secretariat (hereafter, referred to as “IAA Diaspora Secretariat”), worries that thousands of people are dying in Tigray region of Ethiopia due to full-scale war. We are also concerned that this may even lead to genocide.

Another War!?

As if the past did not do enough damage, another war just broke in Tigray two weeks ago. On November 4, 2020, the Federal Government of Ethiopia officially entered all-out war with Tigray Government, supported by aerial bombardment. All means of communications were cut off immediately. As a result, we are left in total darkness about the depth and breadth of the devastation on the ground.

From what we hear however, there is no food, no water or medical help; no power, no internet or telephone; movement is restricted as martial law declared immediately; there is no independent media access, no access to first aid or rescue mission we know of. The emerging clues are extremely alarming. The war broke overnight, and no one predicted this coming or prepared for it. Thus, the civilians are trapped, and we fear disaster is the fate. Most of Tigray population has been already dependent on SafetyNet program which was suspended by the Federal Government ahead of declaring the war. The region was already struggling to manage the COVED-19 pandemic and Locust, let alone all-out war added on top of this already terrible situation.

As for Irob minority in Tigray, the conditions had been dire already without another war. Irob was trying to recover from the 1998-2000 occupation by Eritrean forces and the liberation war that followed in year 2000. That occupation and war left Irob devastated economically and socially. But even after the war was officially over, Irob remained a fortress for another 20 years as the standoff continued between the armies of the two countries. Tigray Regional Government alleges Eritrea is involved in this current war as well, though not verified by a third party. We also learned that there has been heavy fighting in Zalambessa and Irob localities last week. It was also reported that civilians were massacred in Zalambessa town and we suspect the tragedy might be widespread. Sources said Eritrean army was seen in Irob villages like Adgadi-Are and Aiga.

Irob people lived in constant fear for two decades, that another war could break at any moment as the standoff continued. Irob already suffered enough from the previous war and we were wondering if we can make it. There have not been any meaningful programs put in place to rehabilitate Irob from the last calamities and now this!? Irob cannot survive this new war and its aftermath without concerted efforts by all who are able and willing to help. We plea for rapid rescue mission!

The conditions in Tigray deserve an international attention. These conditions obviously seem to violate international war rules. We even suspect war crimes are taking place in Tigray.

Therefore, IAA Diaspora Secretariat calls upon:
  • ➤ International community and the two Governments to end this war.
  • ➤ The two Governments to protect civilian population, economic and public institutions, historical sites; restore normalcy to the levels acceptable under the international rule of war, to minimize civilian calamities.
  • ➤ International humanitarian organizations and Governments for immediate intervention to end the civilian suffering and restore some normalcy.
  • ➤ All neighboring countries and global community to play positive role and avoid escalation of this already terrible situation in Tigray, as everyone will lose if so.
  • ➤ All Ethiopian and global community to extend their support for those displaced due to this war.
  • ➤ IAA Diaspora Secretariat strongly condemns all civilian killings in this war. We call for an independent investigation of these killings and criminals to be brought to justice!

ጦርነት መፍትሔ ቢሆን ኖሮ በጦርነት ውስጥ አንኖርም ነበር!

ከኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን(ኢአአ) ዲያስፖራ ሰክረታሪያት

ፀብፃብ ትዕዝብቲ መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 2012 ዓ.ም

መግለፂ እንቋዕ ኣብፀሐኩም

ኣብ ደገን ውሽጥ ዓዲን ትነብሩ ኣባላትን ደገፍትን #ኢሮብ_ኣድቮኬሲ_ኣሶሴሽን እንቋዕ ን2013ዓ.ም ሓዱሽ ዓመት ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ገና ተመስሪቱ ስራሕ ዝጀመረሉ 2012ዓ.ም ብዙሓት ዓበይቲ ስራሓውቲ ሰሪሑ እዩ፤ ብፍላይ ዓላማታቱን ልኡኽን ናብ ህዝቢ ንምስራፅን ኩሉ ኣባል ከምኡ እውን ደጋፊ እዚ ሲቪል ማሕበረሰብ ድርጅት ብልዑል ወኔን ናህሪን ብናይ ዓላማ ሓድነትን ቆራፅነትን ግቡኡ ፈፂሙ እዩ። ኣባላትን ደገፍትን እዚ ሲቪል ማሕበረሰብ ጠንካራታትን ምሉእ ዓርሰ-እምነት ዘለዎም እንተዘይኮኑ ነይሮም ብፍላጥን ብዘይ ምፍላጥን ኣብ ልዕልኡ ካብዚን ካፍቲን ዝለዓሉ ዝነበሩ ፈተናታት ንኽሓልፍ ክኸብዶ ነይሩ እዩ። ምናልባት እውን ክዳኸም ይኽል ነይሩ እዩ፤ ሻላ ትብዓትን ስምረትን ኣባላትና ብዓወት ወፂእናዮ። እንቋዕ ደስበለኩም ደስ በለና።

ኢኣኣ ንኢሮብን ኢሮባዊነትን ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ማለት ናይ ካልኦት ህዝቢታት ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ጉዳያት ኣይምልኸቶን ማለት እዩ እሎም ዝሓስቡን ስምረት ኢሮብን ኢሮባዊነትን ከም ስግኣት ዝወስዱ ድፉናት ውልቀሰባትን ዘይሰልጠኑ አሚቶም ዘይርእዩ ውሑዳት ፖሎቲካ ሀሁ ዘይበፅሖም ፖሎቲካኛታት እና በሃልቲን ቀንድ መሰናክል ናይ'ዚ ሲቪል ማሕበረሰብ ነይሮም። ሐዚ ግና ሻላ ዘይተቆራረፀ ቃልሲን ፅንዓት ዓላማን ኣባላት ኢኣኣ እቶም ፈተናታት ብዓወት ሓልፍናዮም ኣለና።

🔴 6ይ ዙር መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንኽንዕዘብ ዝተውሃበና ዓቢይ ናይ ህዝቢን መንግስቲን ልኡኽቶ ብዝግባእ ፈፂምናዮ ኣሎና። ፀብፃብ ናይዚ ልእኽቶ ብመሰረት ቁፅሪ መምረሒ 4/2012 መረፃ ኮሚሽን ትግራይ ዝትግበር እዩ።

ኣብ መወዳእታ መረፃ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምሉእ ሰላም ምዝዛሙ ክነበስር ከሎና ብዓቢይ ታሕጓስ እዩ። ኣብ በቢ ዝኸድናዮ ከባቢታት ዝተዓዘብናዮ ዋና ጉዳይ ህዝቢ ነዚ መረፃ ዝሃቦ ትኹረትን ምልዕዓልን ብዘይመጠን ዓቢይን ታሪኻዊን ነይሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ፀብፃብ ብመሰረት መምረሒ ኮሚሽን ትግራይ ክንህብ እና።

ሐዚ እውን ደጊምና እንቋዕ ኣብፀሐና!

እንቋዕ መረፃ ትግራይ ብሰላም ኣፈፀመና!

ሓዲሽ ዓመት ዓመተ ሰላም፣ ፍቅሪን ሰነያን ይግበረልና።

ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን- ኢኣኣ

መስከረም 1፣2013ዓ.ም

መግለፂ ሰናይ ትምኒት!

መግለፂ ኢ. ኣ. ኣ. ጨንፈር ዲያስፖራ

ኦጎስት 2020

ኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን (ኢኣኣ) ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት (ሰሜን አመሪካ/ካናዳ፣ አውሮጳ፤ እስራኤል፤ ሱዑዲ ዓራቢያ፤ ደ. አፍሪቃ፤ አውስትራሊያ) ተወከልቲ ዝተሳተፉሉ ካልኣይ ናይ አባላት ኣኸባኡ ካብ ጁን 6 ክሻብ ጁላይ 25 ኣብዘሎ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ብተለኮንፈርንስ ብምርኻብ አካይዱ እዩ። ኣብቱ ኣኸባ ካብ ምስረታ (ኦክቶበር 2020) ክሳብ ጁላይ ዝተሰርሑ ንጥፈታት ብዝምልከት ብኣመራርሓ ኢ.ኣ.ኣ እንካብ ዓድን ወፃእን ዝቐረበ ፀብፃብ (ሪፖርት) መርሚሩ አፅዲቑ እዩ። ብዝተቐመጠ ዓመታዊ ትልሚ መሰረት ኣብዘን ዝሓለፋ 9 አዋርሕ ዝተሰረሓ ገምጊሙ ምስቱ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብምትሕሓዝ ኣብቱ ተሪፉ ዘሎ ሒደት ጊዜ ቅድሚያ ተዋሂቡዎም ክስረሑ ዘለዎም ኢዮም ብዝብል ኣመራርሓ ንዘቕረቦም ናይ ሓፂር እዋን ትልምታት እውን መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ካልኣይ ስብሰባ ኢኣኣ ኣብዙ ሐዚ እዋን ኣብ ሙሉእ ዓለም ብዝርከቡ ኢሮበቶት ህዝቦም ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቃሳት፤ ንኣብነት፤ (ንCovid-19) ምክልኻል ዝተገብረ ናይ ሓገዝ ምትእኽኻብን ምውዳብን፣ ንኮለጅ ካላዓሳ ምፍፃም ዝግበር ዘሎ ሓገዛት... ወዘተ ከምስገን ዘለዎ፤ ክቕፀለሉ ኩላትና ክነተባብዖን ክንሳተፈሉን ዝግባእ እዩ ዝብል ድሌትናን እምነትናን እዩ። ከምኡውን ሚዲያ ብዝምልከት፤ ጎሮንን ዓሲምባ ሚዲያን ዝገብርዎ ምንቅስቃሳት ክበረታታዕን ሞራላዊን ማተሪያልዊን ሓገዝ ክግበረሎም ኢ.ኣ.ኣ ንኹልኹም ደቂ ኢሮብ ለበዋ የቕርብ።

ከም ሓደ ሲቪል ማሕበር ኢኣኣ ኣብ ፖለቲካ ዘለዎ ተሳትፎ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ዝተዘርበን ዝተፅሓፈን እኳ እንተኮነ ምስቱ ህልዊ ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለየ መድረካት ይለዓል ስለዘሎ ካልኣይ ኣኸባ ኣብዙ ጉዳይ በሰፊሑ ዘቲዩ ቅዋም ወሲዱ ኢዩ።

  • ❖ ኢኣኣ ከም ውዳበ ኣብ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ብምድጋፍ ኮነ ብምቅዋም ፈፂምና ከምዘይንሳተፍ፣
  • ❖ ኢ.ኣ.ኣ ኣባላት እንትቕበል ናይ ውልቀሰባት ናይ ፖለቲካ ኣቋም፣ ውዳበ ኮነ እምነት ኣይጥይቕን። ከዚኦም ዓይነት ጥያቕየታት እንተዝጥይቕ ከዓ ሲቪል ማሕበር ምዃኑ ወይ ከቋርጽ እዩ ወይ ከዓ ናብ ሓደ ኩርናዕ ክጉተት እዩ። ብዙይ ምኽንያት ሓደ ኣባል ናይ ኢ.ኣ.ኣ. ዕላማታት፣ ራእይን ሕገ ደንቢን ምቕባሉ ጥራሕ እዩ ከም ረቛሒ ንኽውሰድ ተገይሩ። እዙይ ማለት ብውልቀ ደረጃ ናይ ማሕበርና ኣባላት ዝደለይዎ ኣይዲዮሎጂ ኮነ ፖለቲካ ፓርቲ ኣባላት ናይ ምዃንን ምድጋፍን መሰሎም ከምዝኾነ ይኣምን። እቱ ብውልቆም ኣባል ምዃን ይኹን ንቱ ዝድግፍዎ ፓርቲ ድጋፍ ምሃብ ከም ናይ ውልቆም ቅዋም እምበይ ከም ናይ ኢ.ኣ.ኣ ቅዋም ኣይረአን። ብውልቆም ዝህልዎም ርእይቶ/ሓሳብ ይኹን ቅዋም ንኢ.ኣ.ኣ ኣይምልከትን፣ ኢኣኣ ኣይሕተተሉን።
  • ❖ ናይ ኢ.ኣ.ኣ ቅዋም ዝኽውንን ክሕተተሉ ዝክእልን ናይ ኢኣኣ አርማ ገይሩ ዘውፅኦም መግለፅታትን ቅዋማትን ከምኡውን ንማሕበር ወኪሎም ቃለ መሕትት ዝህቡ ምዃኖም ዝተገለፁ አመራርሓኡ ንዘቕርብዎም ሓሳባት ጥራይ ኢዩ፣ ናይ ኢኣኣ ኣርማ ሒዞም ኣብ ዕላዊ ፈይስቡክ ገፅና ንዝወፅ ኩሎም ፅሑፋት ከም ድርጅት ተሓተቲን ሓላፍነት ወሰድትን እንክንከውን ውልቀሰብ ኣባላት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገፆም ኮነ ኣብ ዝኾነ ግሩፓት ንዝፅሕፍዎ ግን ኢኣኣ ተሓታቲ ኣይኸውንን።

ኣብ መጨረሻ፤ ብሓደ ሓደ ውልቀሰባትን ብጉጅለ ደረጃ አብ ርእሲ ኢ. ኣ. ኣ. ዝግበር ዘሎ፤ ኣብ በለካ ለኽዐካን ምንም ጭብጢ ከይሓዝካ ዝግበር ዘሎ ናይ ጸለመ ዘመተ ይካየድ ከምዘሎ ተዓዚብና አሎና። ብምዃኑ’ውን ኣብ ከምዙይ ዓይነት ዘይድለን ጭብጢ ዘይብሉን ተግባር ይሳተፉ ንዘለዉ ወገናትና ቀጺሉ ዘሎ ፃዊዒትን ለበዋን ክነቕርበሎም ንፈቱ።

  • ❖ ንማሕበርና ኮነ ኣብ ኣመራርሓ ንዘለዉ ኣባላትና ምስ ፖለቲካ ፓርቲ ብምትሕሓዝ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ልዕሊ ማሕበርና ንዝነዝሑ ማሕበርና ናይ ፓርቲ ፖለቲካ የራምድ ኢዩ እንተ ኢሎም ብማስረጃ ክቕርቡ፣ ሓፋሽ ህዝብና እውን ሱቕታ ሰቢሩ ንከምዚኦም ዓይነት ሰባት ሰሚዑ/ርእዩ ሱቕ ኢልካ ምሕላፍ ዘይኮነስ ማስረጃ ኣቕርቡ እንተዘየሎ ይኣክል ክብሎም፣
  • ❖ ንዙ ማሕበር ካብ ህዝቢ ንምፍላይ ዘይተብሃለ ተባሂሉ፣ ዘይተገብረ ተገይሩ ንዝብሉ ውልቀሰባት ኣደብ ግበሩ ክንብሎም ንደሊ፤ ህዝቢ እውን ንከምዚኦም ዝበሉ ኣደብ ግበሩ ክብሎምን ኣባና እውን ጌጋ እንክረአ ብግልፂ ጌጋና ክነገረና ከምዘለዎ፤
  • ❖ ህዝቢ ኢሮብ ሎሚ ኣቲዩዎ ዘሎ ናይ ህልውና ቅልውላው ተፈቲሑ ከም ቀደሙ ከም ሓደ ጥንኩር ብሀረሰብ ንኽቅፅል ናይ ኩላትና ደቁ ተሳትፎ ዘለዎ ናይ ሓባር ቃልሲ ስለዝጠልብ፤ ኩሉ ኢሮበታይ፤ ኢ. ኣ. ኣ. ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ዲያስፖራ ንዝገብሮ ዘሎ ስቪላዊ ናይ ኢሮብ ብሀረሰብ ምድሓን ቃልሲ ንኽሳተፍ ብኣኽብሮት ንፅውዕ።

“ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ዓርቓይ የፀምብዓ”

ኢሮብ አድቮካሲ አሶሴሽን ጨንፈር ዲያስፖራ

Appeal Letter to UN for the Safe Return of Irob Civilian Abductees from Ethiopia

በየመንና ሳውዲ ሀገራት በከባድ ችግር ውስጥ ያሉትን የሀገራችን ዜጎች በህይወት የመታደግ ጥሪ - ለኢትዮጵያ ፈደራል መንግስት

ጉዕዞ ቀዳማይ ዓመት ኢ.አ.አ

ኢኣኣ - ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ሕጋዊ ሰውነትን ናይ ስራሕ ፍቓድን ካብዝርክብ እንሆ ትማሊ ሓምለ 16፣2012 ዓ.ም ሓደ ዓመት መልኡ።

ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዝተመስረተሉ ድምፅ ህዝቢ ናይ ምዃን ዓላማኡ ናብ ተግባር ናይ ምልዋጥ ምንቅስቃሳት እኳ እንተገበረ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ምክንያት ብዙሕ ነገር ብምስትብሃልን ብምርግጋዕን ክሰርሕ ከምዘለዎ ብምእማን ብመሰረት ዓመታዊ ትልሙ ክኸይድ አይከኣለን። መንግስታት ክልልን ፌደራልን ብዝነበሮም ፖለቲካዊ ዘይምቅዳው ስዕቡ ዝተፈጠሩ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኩነታት ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታት ኣኣኣ ርኡይ ተፅዕኖ ብምፍጣሩ፤ ኢኣኣ ዕላማታቱን እንታይነቱን ንዝተመስረተሉ ማሕበረሰብ ብምሉእነት ከፋልጥ ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ድማ ኢኣኣ ዓመታዊ ትልሙ ከልሱ ብምርኣይ "ሕገመንግስቲ ይከበር" ብዝብል ቴማ ኣብ መላእ ከባቢታት ክልልና ዝካየድ ዝነበረ ካብ ጥቅምት ጀሚሩ ክሻብ ሕዳር ዝነበሩ ህዝባዊ ሰልፍታት ምስ ሓለፉ ኢኣኣ ሕዳር 3፣ 2012 ዓ.ም ኣብ ሆቴል "ኖርዘርን ስታር" መቐለ ንሚዲያታት ዕላዊ መግለፂ ብምሃብ ንመጀመሪያ ግዘ ዝተመስረተሉ ዓላማታት ናብ ህዝቢ ብሚዲያ ገልፁ፤ ብምቕፃል ኣብ ባይታ ምስ ህዝቢ ብምርኻብ ህዝባዊ መድረኻት ምድላው ዝተለመ እንትኾውን ኣብ ሞንጎ ንኣስታት ክልተ ወርሒ ዝተኸበረ ፅንብል 11 ለካቲት መበል 45 ዓመት ስለዘርከበ ንኽልተ ወርሒ ተፀቢዩ ልክዕ በዓል 11 ሓደ ለካቲት ምስ ሓለፈ ምስ ተወለድቲ ኢሮብ ነበርቲ ከተማ መቐለ ናይ መጀመሪያ ህዝባዊ መድረኽ ኣሳልጡ፤ ብምቕፃል ኣብ ዓዲግራት ኣካይዱ። ድሕሪ ናይ ዓዲግራት መድረኽ ትልሚ ዝነበረ ናብ ወረዳ ኢሮብ እዩ ነይሩ። ብመሰረት ትልሚ ኢኣኣ እቲ ናይ ወረዳ ኢሮብ መድረኽ ክልተ ክፋል ነይሩዎ፦

  • ➤ መጀመሪያ ምስ ካብኔ (ምስ ሓለፍቲ) እቲ ወረዳ መድረክ ዘተ ምግባር
  • ➤ ካልኣይ ካብ ሕድሕድ ጣቢያ ምስ ተወፃፅኡ ተወከልት ዓበይት ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምፍላጥን መድረክ ዘተ ምግባርን እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፦ ኣብ ሃገርና መጋቢት 4፣2012 ዓ.ም ብዝተርኣየ ሕማም ኮሮና ስዕቡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልል ዝወፁ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጃትን ባህሪ እቲ ሕማም ህዝባዊ ኣኼባታት ዝፈቐዱ ስለዘይነበሩ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ ኢኣኣ እቶም ናይ ህዝቢ መድረኻት ናብ ዘይተወሰነ ጊዘ ክመሓላለፍ ብምግባር ምስ መዳርግቱ ኣካላት(ምምሕዳር ወረዳ ኢሮብን ልምዓት ማሕበር ኢሮብን) ብምዃን ኣብ ደገ ኮነ ውሽጥ ዓዲ ዝነብር ኢሮበታይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንህዝቢ ኢሮብ ካብ ሕማም ኮሮና ናይ ምክልካል ስራሓውቲ ንኽሕግዝን ንኽድግፍን ፃዊዕት ብምግባሩ ዳርጋ ኩሉ ኢሮበታይ ብዝመረፆ ውዳበን ውልቀን ዝኸኣሎ መጠን ብምሕጋዙ ሞራላዊ ግዴታኡ ተዋፅዩ እዩ፤ ሐዚ እውን ይቕፅለሉ ኣሎ። ኢኣኣ ጎናጎኒ መኸተ ኮሮና መናእሰይ ኢሮብ ብናይ ባዕሎም ነፃ ድሌት ብዘይ ማንም ካልእ ቅስቀሳን ድፍኢትን ንሰሙን ምሉእ ዝዘከሩዎ "ዝኽረ ዕጡቓት ሰንበት" ዝተወሰነ ናይ ቲ-ሽርቲ ሓገዝ ገይሩ፤ እዙይ ድማ "ህዝቢ ኢሮብ ባህሉ፣ ማንነቱ፣ ታርኹን ቅርሱን ኣብ ምዕቃብን ምፍላጥን ዝገብሮ ፃዕሪ ምድጋፍ" ዝብል ዕላማ ኢኣኣ መሰረት ብምግባር እዩ።

እቲ ሓቂ እዙይ እናሃለወ፦ ገልኦም ብፍላጥ ገልኦም እኹል፣ ተመጣጣኒን እዋናዊን ሓብረታ ብዘይ ምርካቦም ሽም ኢኣኣ ኣብ ምፅላምን ምጥፋእን ይውዕሉ ከምዘለው ይፍለጥ። እዙይ ንምንታይ ኮነ? ሽም ኢኣኣ ንምፅላም ንምንታይ ተደለዩ? ንምንታይ ንዘይ ጠፍእ ኢኣኣ ንምጥፋእ ተሃቅኑ?

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሕቶታት ክምለሱ ዝኽእሉ ዝስዕቡ ሕቶታት ብምምላስ እዩ።

  • ➤ ሓድነት ህዝቢ ብምጥንኻር ንሃለዋትን ድሕነትን ህዝቢ ኢሮብ ዝሰርሕ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ መን ንምንታይ ይፅላእ?
  • ➤ ህዝቢን መሬትን ኢሮብ ከይምቀል፣ ህዝቢ ኢሮብ እቱ ክቡር መንነቱ ከይምንጠል ቆቃሕ ኮይኑ ለይትን ቀትርን ጂኦ-ፖለቲካዊ ሽርሕታት ኣብ ልዕሊ ዝከታተል ድርጅት ንምንታይ ሽም ናይ ምጥፋእ ዘመተ ይግበር?

ስለዙይ ሕድሕድና ነን ርእስና ሕቶታት ብሕቶታት ብምምላስ እቱ ዝተሓብአ ሓቂ ንረዳኣዮ።

ኮይኑ ግና፦ ሰኣን እኹል ሓብረታ ሽም ሲቪል ማሕበረሰብ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽን ዘፅልሙ ውልቀሰባት ብዝምልከት ሓላፊነት ክወስዱ ዘለዎም ኣባላትን ኣመራርሓን ኢኣኣ እዮም። ምክንያቱም ዕለማታትን እንታይነትን ኢኣኣ ናብ ኩሉ ክበፅሕን ክሰራጨውን ብግንባር ቀደም ክሰርሑ ዘለዎም ንሳቶም ስለዝኾኑ። ይኹን እምበር ምሕብሓብን ምጥንካርን ኢኣኣ ናይ ኩሉ ተወላዲን ፈታዊ ኢሮብን ጉዳይ እዩ። ዘለናዮ ኩነታት ህዝቢ ኢሮብን ጂኦ-ፖሎትካ ቐርኒ ኣፍርቃ ንዝከታተልን ንዝዐዘብን ጥንካሬ ኢኣኣ ውሕስና ህዝቢ ኢሮብ እዩ።

በዚ አጋጣሚ ንኩሎም ተወለድቲን ፈተውቲን ኢሮብ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዕላማታት፣ ተልኦኾን ራእይን ኢኣኣ ብዝግባእ ርእኹም ዝህልወኩም ሓሳባትን ሕቶታትን ብግልፅ ናብ ቅድሚት ብምውፃእ ብዝግባእ ንዛተየሉ፤ እዙይ ምስእንገብር ብ"እለን-በላ" ዝጠፍእ ሽም ኣይህሉን። ናይ ህዝቢና ሓድነትን ኢሂን ሚህንን ዘየሕጉሶ ኢሮብ እንተሊዩ ተሓጋጊዝና ንምከር፤ ዋላ ሓደ ኢሮብ ንጎኒ ኣይንግደፍ። ህልውና ኢሮበታይ ኩሉ ግዘ ብሓደ እምበር ተነፃፅሉ ኣይኾውንን። ንሕና ኢሮብ ብሓደ ወፍርና ኣብ ጦርነት ሜዳ ንዕወት፤ ብወፈራ ንተሓጋገዝ ንደጋገፍ እና፤ እቲ ዘሐዝን ግን ካብ ወፈራ መልስ ሓበራዊ ጠንካራ ውዳበታት (institutions) ናይ ምፍጣር ታርክ ብዙሕ የይብልናን። ስለዙይ እዙ ሓያልን በልሕን ህዝቢ ብፖሎትካዊ ርዕዮተ ዓለምን ግዘን ዘይተገደበ ዘመን ተሻጋሪ ሲቪላዊ ውዳበ ንኽንሃንፅ ንኢአአ ነጠናኽር።

መልእኽቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ውዳበታት ንትርከቡ ደቂ ኢሮብ፦

  • ➤ ፖሎቲካዊ ውዳበታት ኩሉ ጊዘ ትሕቲ ህልውና ህዝብ ምዃኑ ፈልጥኹም ድሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኢሮብ ዝጎድእ ስራሕ ከይትሰርሑ ሓያል ጥንቃቄ ክትገብሩ ይግባእ
  • ➤ ኣብ ሕድሕድ ዘለኹሙዎ ወዳበታት( ገዛኢ ኮነ ተወዳዳሪ) ጥቅሚ ናይ ዝወከልኩሙዎ ህዝቢ ክተኽብሩን ክትሕሉውን ይግባእ
  • ➤ ኢሮብ ኣድቮኬሲ ኣሶሴሽ ድማ ኢሮብ ብምዃንኩም ጥራሕ ዝግበአኩም መሰል ከይጠሓስኩም ድምፂኹም ኮይኑ ንመሰልኩምን ንፍትሕኩምን ይቃለስ

ኣብ መወዳእታ፦ ብሰሜን ብደቡብ፣ ብምዕራብ ብምራቕ ምስዝነብሩ ጎረባብቲ ህዝቢታት፤ ህዝብ ኢሮብ እቱ ልሙድን ስሙሪን ፍቕርን ሰላምን ብዝለዓለ መንገዲ ንኽቅፅልን ንኸጠናክርን ኢኣኣ እጃሙ ክዋፃእ እዩ። ጠንካራ ሲቪላዊ ውዳበ ህዝቢ ኢሮብ ንማንም ህዝቢ ስግኣት ክኸውን ኣይኽእልን፤ ሕብረትናን ሓድነትናን ንህላዌና እዩ።

ፃውዒት ምድሓን ህይወት መናእሰይ ተጋሩ ኣብ እሱር ቤታት ሱዑዲን የመንን - ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ